BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ትግራይ፡ ብርጋዴር ጀነራል ጕዕሽ ገብረ ብምንታይ ምኽንያት'ዩ ተኣሲሩ?
ብርጋዴር ጀነራል ጕዕሽ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓትን ንዕኡ ዝድግፉ 'ካብ ኮር ንላዕሊ' ብዝብል ዝተቓወሙን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ 2025 ጀሚሩ ካብ ንጡፍ ዕዮ እቲ ሰራዊት ደስኪሉ ይርከብ።
ኣብ ተቓውሞ ኢራን ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ
ኣብ ኢራን፡ እዚ ሓዲሽ ተቓውሞ ካብ ዝጅመር 3090 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ 'ሁማን ራይትስ ኣክቲቪስት ኒውስ' ዝተሰመየ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ። እቲ ቁጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ኣለዉ።
ቀጥታ, ትራምፕ ብቐረጽ እንከፈራርሕ፡ ኣምባሳደራት ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ'ዮም
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ሰልፈኛታት "ተቓውሞኦም ክቕጽሉ" ዝላቦ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ፡ ሃገሩ ካብ "እከይን ናይ ወጻኢ ምትእትታውን" ንነብሳ ክትከላኸል ምዃና ኣጠንቂቑ።
'ኣፍካ ዘየኽድን' ኮኾብ ስነጥበባዊ ነጻነት ወርቅነህ እንክዝከር
ነጻነት ብዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቘልዑን እዩ። መሳርሕቱ ክሳዕ ሓሙስ 7 ጥሪ 2018 እተፈላለየ ዕዮታት ይዓዪ ኸም ዝነበረ እኳ እንተ ገለጹ ዓርቢ ንግሆ ግን ብሃንደበት ሓሚሙ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምኻዱ፡ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ኸም ዝሞተ ኣዕሩኽቱ ገሊጾም። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነጻነት ወርቅነህ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ክግበር ምዃኑ ይንገር።
ኣልሲሲ፡ ትራምፕ ንግብጺን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ዘርኣዮ ድልውነት ይንእድ፤ ኢትዮጵያኸ?
እቲ ናብ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ዝተላእኸ ደብዳበ፡ ናብ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታዬ ኣጽቀስላሰ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ልዑል ጽልዋ ዘለዎም ወራሲዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድን ተላኢዅ እዩ።
መረጻ ዩጋንዳ፡ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ሕጂ'ውን ተዓዊቱ
ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበሮ ኣርባዓ ዓመታት ብተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ብምንዋሕ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ሓሙስ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተባሂሉ ተኣዊጁ። ሙሰቨኒ 72% ድምጺ ከምዝረኸበ ኮሚሽን ምርጫ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ፡ 'ብጌጋ' ዝተባህለ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሕዱ 36 ምሊሻታት ኣምሓራ ቀቲሉ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣኼባ ምምሕዳር ብሄረ ዋግ ክምራ ዝተሳተፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣባላት ምልሻ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብውሕዱ 36 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓደርቲን ኣረጋጊጾም፤ ሰራዊት ይቕረታ ሓቲቱ።
ትራምፕ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ንምሽምጋል ዘለዎ ድሉውነት ኣረጋጊጹ
ትራምፕ ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ "ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ንዘሎ ማያት ፈለግ ኒል ናይ ምክፋል ሕቶ ዝፈጠሮ ምስሕሓባት ሓንሳብን ንሓዋሩን ብሓላፍነት ንምፍታሕ ድሉው እየ፡" ክብል ኣፍሊጡ።
ሊብያ፡ ኣብ ሓደ ሕርሻ ጃምላዊ መቓብር ስደተኛታት ተረኺቡ
ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ሰበስልጣን ጸጥታ፡ እቲ ዘሕዝን ርኽበት ካብታ ከተማ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ጅሆ ተታሒዞም ከም ከምዘለዉ ድሕሪ ዝተረኽበ ጽንጽንታ እዩ።
ወጻእተኛታት ኣብ ሩስያ ንኽዋግኡ ብኸመይ ብሓንቲ ጓለንስተይቲ 'ይታለሉ' ነይሮም?
ፖሊና ጓል 40 ዓመት መምህር ነበር ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝመጽኡ መንእሰያት፡ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ንኽጽንበሩ ንምስሓብ፡ ቻነል ቴሌግራም ተጠቒማ ከም እትምልምል፡ መርመራ ቢቢሲ ኣይ የመልክት።
ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሩ።
ሑመራ ዝበጽሐ ኣምባሳደር ኣመሪካ ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ እንታይ በለ?
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ተፈናቐልቲ ካብቲ ዞባ ናብ ማእከል እቲ ክልልን ሱዳንን ከምዝሃደሙ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መቐለ ዝርከብዎም ቦታታት ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ተዓቚቦም ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ዕድል ክረኽቡ ይጽበዩ ኣለዉ።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, መራሒ ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮ፡ ብኸመይ'ዩ ተታሒዙ?
ኒኮላስ ማዱሮን ማዱሮን በዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን ብሰኑይ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ገበነኛታት ከም ዘይኮኑ ተማጒቶም። ብመሰረት ጸብጻብ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ማዱሮ ሕጂ'ዉን መራሒ ቬንዙዌላ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብመገዲ ተርጓሚ "ኣነ ንጹህ እየ። ገበነኛ ኣይኰንኩን። ጭዋ ሰብ እየ፡ ፕረዚደንት ሃገረይ እየ፡" ኢሉ። ሰብኣይን ሰበይትን ግን ብኸመይ'ዮም ተታሒዞም?
ቪድዮ, ስቕታ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሶማሊላንድን እንታይ ይእምት?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክትከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልኡላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ ስቕታ ኣዲስ ኣበባ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
ቪድዮ, 'ኣልጎሪዝም' ማሕበራዊ ሚዲያ ይቈጻጸረና ድዩ ዘሎ?
ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካል መዓልታዊ ናብራናን ህወይትናን ኰይኑ ኣሎ። ዘመናዊ ኣምር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ'ዉን ካብ 1950ታት ጀሚሩ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ምሳና ዝጸንሐ’ዩ። እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ንሓባራዊ ስነ-ኣእምሮን መዓልታዊ ምንቅስቓስናን ዝጸልዉ ምዕባለታት ኣብ ክልቲኡ መዳያት ተራእዮም ኣለዉ።
ቪድዮ, ስራሕ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ኢጋድ ዝዀነ ቸርነት ሃሪፎ፡ እንታይ'ዩ?
ቸርነት ሃሪፎ፡ ገና ወዲ 23 ዓመት እናሃለወ'ዩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ወኪል ትካል ልምዓት መንግስታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ሓላፍነት ተቐቢሉ።
ቪድዮ, 'ብልጽግናን ስልጣንን' እናተመባጽዑ ህጻናት ዝቐትሉ ጠንቈልቲ
ኣብ ሴራሊዮን፡ ምስ ስርዓታት ሽሕር ብዝተኣሳሰር ብዝመስል ቅትለት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ስንባደ ኣለዉ።
ትንታነ
ስጉምቲ ትራምፕ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምልካውያን ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ጄረሚ ቦወን
ትራምፕ ኣብ ቬነዝወላ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ዓለማዊ ቅልውላው ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንማዱሮ ሒዙ ናብ ኣመሪካ ዝወሰዶ ፍሉይ ሓይሊ 'ደልታ ፎርስ' እንታይ ንፈልጥ?
ደልታ ፎርስ ኣብ 1977 ዝተመስረተ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ኮማንዶ እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዎ ሓያላትን ምስጢራውያንን ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ሓደ እዩ። ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ፎርት ብራግ፡ ሰሜን ካሮላይና ኣመሪካ ይርከብ።
ንጥዑይ ግዘ እርጋንና፡ ገና ኣብ 30ታት ዕድመና ክንገብሮም ዘለና ነገራት
ተመራመርቲ፡ እናኣረግና ምስ ንኸይድ ፀገም ጥዕና ምግጣም ዘይተርፍ ነገር ከም ዘይኾነ፡ ሕዚ ልዕሊ ዝኾነ ግዘ ርግፀኛታት እዮም። ብኸመይ ከም ንኣርግ፡ ክንመርፅ ንኽእል ኢና።
ኣቈጻጽራ ዘመን ስለምንታይ ተፈላልዩ፤ ቀንዲ ዝበሃሉኸ ኣየኖት እዮም?
ጐርጎርዮስያዊ (ኣውሮጳዊ) ኣቈጻጽራ ኣብ ስራሕ ዘይውዕለሉ ከባቢ ዳርጋ የለን። እዚ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብሰፊሑ ዝጥቀሙሉ ኣገባብ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ መግዛእቲን ቴክኖሎጅን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።
እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ንምንታይ'ዩ ኣካታዒ ኰይኑ?
እስራኤል፡ ነታ ካብ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣትሒዛ ካብ ሶማልያ ተፈልያ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ክትጽውዕ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃበታ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኵነኔ ኣስዒብላ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ድሒረን ንውሳነ እስራኤል ዝዀነና ሃገራት ቻይና'ያ። ቻይና ብመንገዲ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ንግዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ዝዀነት ሃገር ንስሱዕ ድሌታት ከተርዊ ክትብል ነቶም ካብ ሓንቲ ሃገር ክንጸሉ ዝደልዩ ከተተባብዕ ኣይግብኣን'ዩ" ኢላ።
ዘፍጥረት ኤኣይ፡ ክልቲአን ጸልውቲ እየን ሓንቲ ግን ኣይሰብን
እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ምስትውዓል ሰባት ምስቲ ብቕልጡፍ ዝምዕብልን ዝራቐቕን ዘሎ ቴክኖሎጂ ክኸይድ ይኽእል ድዩ ዝብል'ዩ ኢላ።"ናይ ሓሶት ሓበሬታ እናገደደ ክኸይድ ክንዕዘብ ኢና፣ ምትላል እውን ክገድድ ክንርኢ ኢና፣ በቃ...ዕንክሊል ዝዀነ ትሕዝቶ ክውስኽ ክንዕዘብ ኢና።"
ጆን ሲምፕሰን፡ 'ብዛዕባ 40 ውግኣት ጸብጺበ'የ፤ ከም 2025 ዝኣመሰለት ዓመት ግን ርእየ ኣይፈልጥን'
ዝሑል ኲናት ንጐኒ ገዲፍና፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሸፈንክዎም ግርጭታት ንኣሽቱ ጕዳያት እዮም ነይሮም፤ ጽዩፍን ሓደገኛን፡ ብርግጽ፡ ግን ከኣ ንሰላም መላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእትው ከበድቲ ውግኣት ኣይነበሩን።
ኣብ ድሕሪ ካሜራ ስልክኹም ኣልበርት ኣይነስታይን ምህላዉ ትፈልጡዶ?
ኣልበርት ኣይንስታይን ኣብ 1905 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ መንጎ ዘሐተሞም መፅናዕታዊ ፅሑፋት፡ ብዛዕባ ፎቶኤሌክትሪክ (photoelectric) ዝድህስስ ሓደ እዩ።ኣይንስታይን በዚ መፅናዕቱ ኣብ 1921 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሽልማት ኖቤል ተጐናፂፉ እዩ።
ብስም ምውጻእ ሓገዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት መንሽሮ ዝዀኑ ቈልዑ ዝተፈጸመ ምትላል
ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሎምዎ ዘይፈልጡ ብኸቢድ ዝሓመሙ ህጻናት፡ ብሽሞም ዓቢ ገንዘብ ተኣኪቡ ክኸውን ከም ዝኽእል የርኢ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኣልማዝ ዝሃብተመ መሬቶም ንምንታይ ክምለሰሎም ይደልዩ?
እቲ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ሕጋዊ ፍርዲ፡ ይረብሑ ኣለዉ ማለት ክኸውን ይኽእል፤ ግን ሕጂ'ዉን ድኻታት ከም ዝዀኑ ይረዛቡ።
በኒን፡ ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ወተሃደራት 'ድኽመት' ዝፈጠሮ ሃጓፍ መዝሚዞም ድዮም?
ቤኒን ኣብቲ ብዙሕ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝካየደሉ፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ዘርጉእነትን ደሞክራስያዊ ፍትሕን ዝጐድሎ ዞባ፡ ርግኣትን ደሞክራስን እተስተማቕር እንኰ ሃገር እያ።
ደቂኣንስትዮ ስለምንታይ እየን ስእሊ ኣፍቃሪአን ካብ 'ኦንላይን' ዝኽውላ ዘለዋ?
ካብ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዘለለ ቁፅሪ ፍቕራዊ ርክበን ኣብ ኣደባባይ ዕላዊ ክገብራ ዘይደልያ ደቂኣንስትዮ ይዛይድ ኣሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዛረበሉ 'ኣዋጃት ኲናት ማያት' ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ?
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርቦም ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝግባኣ ብምምጓት፡ ነቲ ኣብ 1993 ብወግዒ ዝተኣወጀ ናጽነትን ልዑላውነትን ኣብ ሕቶ ምልክት ክሳብ ምእታው ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።
ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ። ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ግዝያዊት ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኣዛዚ ሓለዋ ማዱሮ ንዝነበረ ጀነራል ኣባሪራ
ንኣዛዚ ጀነራል ሓለዋ ማርካኖ ታባታ ንምትካእ ሓዳስ ግዝያዊት ፕረዚደንት እታ ሃገር ደልሲ ሮድሪገዝ ትእዛዝ ሂባ።
ናብ ሶማሊላንድ ዝበጽሐ እስራኤላዊ ሚኒስተር ቀልጢፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
ቻይና፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብኦም ሓለያ ሃገራትን ውድባትን፡ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ብምዃና ከም ልኡላዊት ሃገር ምፍላጣ ኣብ ሶማልያን እቲ ዞባን ዘይምርግጋእን ኣሉታዊ ኣብነትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
ኤርትራ፡ ጀነራላት ኢትዮጵያ ሰቒሎም ዘውረድዎ ካርታን ዝፈጠሮ ሓያል ቍጥዐን ግብረመልስን
ሌተና ጀነራል ሹማ ኣብዴታ ምስ ካልኦት ክልተ ጀነራላት ሒዞምዎ ዝተሳእሉ ካርታ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ፡ ምኒስተር የማነ ገብረመስልቀል ድማ ብመንገዲ ኤክስ ምላሽ ሂቡሉ።
ትራምፕ፡ ንሓዳስ መራሒት ቬንዝወላ ኣፈራሪሑ -'ህዝቢ ኣመሪካ ብደምን ዶላርን ዝኸፍሎ ዋጋ'
ዶናልድ ትራምፕ ንሓዳስ መራሒት ቬንዙወላ ደልሲ ሮድሪገዝ "ቅኑዕ እንተዘይገይራ" ንሳውን "ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ - ምናልባት'ውን ካብ ናይ ማዱሮ ዝኸፍአ - ክትከፍል ከምትኽእል ምስ ዘ ኣትላንቲክ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣጠንቂቝ።
ኤርትራ፡ ተቓውሞን ሰፊሕ ማእሰርቲን ዘስዓበ ቅትለት መንእሰይ ቀራና-ዅዶ
ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ቢቢሲ ኣብ ወጻኢ ንዝቕመጡ ደቂ ዓዲን እቲ ከባቢን፡ ከምኡ'ውን ንተመሳሰልቲ ፍጻመታት ንምርዳእ ስሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ካብ ውሽጢ ዓዲን ኣዘራሪቡ፣ ከምኡ'ውን ንምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ተወኪሱ'ሎ።
ትግራይ፡ ብጉዳይ ጥምየት ተመዛበልቲ ንፌደራል ዝኸሰሰ ህወሓት ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ
ብዙሓት ተፈናቐልቲ፡ እዚ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ስልጣን ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንመነባብሮኦም ከመሓይሽ ይዅን ናብ መረበቶም ክመልሶም ብዘይምኽኣሉ ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
ስቕታ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሶማሊላንድን እንታይ ይእምት?
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቁጠባን ብዝሒ ህዝቢን ዝዓበየት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዞባ ዓበይቲ ምዕባለታት ወይ ቅልውላዋት ኣብ ዝፍጠርሉ መብዛትኡ እዋን ስቕታ እያ ክትመርጽ ትርአ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ነታ ናጽነታ ባዕላ ብምእዋጅ ርእሰ-ምምሕዳር መስሪታ ክከይድ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ከም "ናጻን ልኡላዊትን ሃገር" ኣፍልጦ ምስ ሃበት፡ ስቕታ ኣዲስ ኣበባ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ። ስለምንታይ?
ብጉዳይ ሕፃፅ ዝንቀፉ መራሕቲ ትግራይን መግለፂ ፕረዚደንት ታደሰን
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ ምምሕዳራትን ነቲ ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሉ ኣብ ሽግራት ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ግቡኦም ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ጽልዋ ሓደገኛ ዕጡቕ ጕጅለ ዳዕሽ፡ ዳግማይ ይሕይል ድዩ ዘሎ?
ዳዕሽ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ግብሪ ብምእካብ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ፖሊስን ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ንርእሱ ከም ሓደ መንግስቲ ገይሩ ብምቕራብ፡ ንሰፊሕ ከባቢታት ሶርያን ዒራቕን ይገዝእ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ በጺሓ ዝተመልሰት ሽወደናዊት ምኒስተር ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ እንታይ ኢላ?
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንዑደታ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂባ። ማሪያ ማልመር ስተነርጋርድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ ዝርከቦም ጉዳያት ከም ዝተዘራረበት ሓቢራ።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)





























![ካቪያ ሳምባሲቫም [ጸጋም] ህቡብ ጸላዊት እያ። ጂጂ [የማን] ህብብቲ ጸላዊት ግን ዘፍጥረተ ኤኣይ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2f78/live/457a6da0-e2fd-11f0-b67b-690eb873de1b.jpg.webp)




































